ንብዓት!
ንብዓት!
ምልክት ስቅያት
ዥረብረብ ዓይኒ ሕጻናት
ኮረር ኮረር ኣዒ’ንቲ ለባማት
ምሳኺኸ ኣሎድ’ዩ ተኣምራት?
ትመስልኒ ዝነበርኪ፡ በትሪ ናይ ፈራሓት
ደርፍኺ ብኽያት
ድምጽኺ ኣውያት
ትፈርዪ እንዳ ውጹዓት።
ኣቤት መዓት፡ ክንዲ ኩርዓት
እሞ ንስኺ’ውንዶ ትዕደሊ ሰዓት
ትረኽቢ ምኽንያት፡ ክትስርዒ ምስ ጽንዓት
ናይ ለውጢ ጎደና ንምእንፋት’ሲ
ስግር ኢልኪ ቀላጽም-መዳፍዓት
ትዕንድርሉ ውሻጠ’ንዳ ጽንዓት
ክሳብ ዝምሕጸኑኺ ነገስታት
ባህሎም ልማዶም
ምእዋጅ ትእዛዛት።
ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ 01/08/2016
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.