ሕይወት
ሔዋን ሕይወት
እመ ሕያዋን
ተሰሪጸ ካብ ኣካልኪ
ተሃኒጸ ኣብ ማሕጸንኪ
ነፍሲ ሰዅዐ
መንፈስ ለቢሰ ከተንፍስ
ጡብኪ ጠብየ ከጕስዕ
እግሪ ተኺለ ክብል ታተ
ክወድቕ ክትንስእ
ዝርጉሓት ኣእዳውኪ
ካብ ምውዳቕ ካብ ዕንቅፍቲ
ዋሕስ መድኅነይ
ክጐዪ ክዘልል ክዕንደር
የዕብየልይ ይዕቖረለይ
ዓይኒ ጸላኢ ይድፈነለይ
ክዓቢ ብጸጋ ብቝመት
ጸሎት ወላዲት ዘየባትኽ ትምኒት።
ኣካለይ ጐድነይ ዓጸመይ
ፍንጫሕ መሰንገለይ
ነፍሰይ ትንፋሰይ
ልበይ ኵሊተይ
ውሽጣዊ ኣካላተይ
ጐደሎ ንስኺ
ኢምንት ሕይወተይ
ነፈስይ ኣፍቃሪተይ
በዓልቲ እንዳይ
ብርሃን ዓይነይ
ፋኑስ ቤተይ
እኖ ደቀይ
መፍትሕ ልበይ መኻሪተይ
መዝሓሊተይ ኣባዲት ሰንጋሊተይ።
ኃውተይ ጓልኖይ
ብልጽቲ ፍጥረት
መዋልደይ መዓብይተይ
ዝግብኣ ኃልዮ ምስ ክብረት
መሻርኽተይ መዛትይተይ
ኣብ ዓዲ ኣብ ስደት
መንቅሒት መነቓቕሒተይ
ካብ ጾታዊ ጭቆና ነጻነት
ካብ ተባዕታዊ ምልኪ ሓርነት
ሹመት ይኹን ብጽሒትኪ
ዕብየት ምስ ማዕርነት
ሔዋን ተባሂልኪ ሕያው ኣደ ሕይወት።