ምልዖ!
ምልዖ!
ምልዖየ ምልዖ፡ ኣዳነ ምጥሖ ፡ ሰፈርኪ ገደል፡ ቁልቁል-ሸታትሖ
ብዘይካ ለመምታን በረርትን፡ መን ዘይፈርሖ።
እንተ ንስኺ፡ ንግሆ-ንግሆ ምስ ጸሓይ-በርቂ፡ ኣብ’ንዳኺ ትደምቂ
ትዕለሚ፡ ከም መርዓት-ውሻጠ ትስለሚ ወርቂ
ትጨጭሒ እንቋቁሖ፡ ዘንጸባርቕ ከም ዑንቊ።
ኣነ ግን ብማዕዶ፡ ካብ’ቲ ዓቢ-ጎቦ ድምጺ መቓልሕኪ ብንፋስ እንክሰምዖ
ምእማኑ’ስእኖ’ሞ፡ ብቐትሩ ግ…ር ይብለኒ፡ ይጠፍኣኒ ናብ ዘብሎ።
ምናልባት፡ ኣብ ዝቓደረ ዱኻን ዋላኻን ምስፋሕ ዝኸልኣኒ፡ ውሽጠ-ውሽጢ ዝሳጽየኒ
ጎንፊ ከይህሉ ለይትን ቀትርን’ዩ ዘጠራጥረኒ።
ልዕሊ ኹሉ ግን፡ ማዕረ ቀላያትን ማያትን’የ ዘድንቖ ንጥበብኪ።
ምልዖየ ምልዖ፡ ብልሓትኪ ክምስክር’ሲ፡ ከየ’ስተማሰለ ብኩርኳሕ
ጥቓ ኣውሒጽርጋሕ ክሳብ’ንዳ ማ’ደረጋሕ’ዩ ሰራውርኪ ዝዝርጋሕ።
ንኹሉ ክገርሞ ድማ፡ ኣበ’ጻድፍ መሮር፡ ውሽጠ-ውሽጡ ሸናጭሮ
ብየማን ብጸጋም፡ ደናጉላ እንከሎ፡
ምስ መዓር ጽገናይ፡ ናይ ንህቢ ዶቦኽናይ፡
ድባብኪ ይስጣሕ፡ መቐረትኪ’ሕሎ፡ ሕሞር-ሕሞር ትጨንዊ፡ ትጥዕሚ ሕንኩሮ።
ምልዖየ ምልዖ፡ እሞ ምሳኺ’ሎ ምህሮ፡ ኣምላኽ ዝዓቖሮ
ኣብ በረኻ ኣብ ጎቦ ከም ዕማኾ ቖሎ፡ እዋን ገና’ንከሎ፡ ንጓሳ ዝዕንግሎ።
ብዘይኣጋንኖ ጽቡቕ ፍቓድ እንተ’ሎ
ርሑቕ ከይተሓልመ ኣማራጺ መሊኡ’ሎ፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕንኪላሎ።