ተንስእ ተባራበር
Stand Up and Open Your Eyes
ተንስእ ተባራበር
መንእሰይ ምንኣሰይ ተንስእ ተባራበር
ብዶውኻ ኾሎካ ስምካ ከይቅበር
ጻዕዳ ቢተይ ካብ ወለደት ላሕሚ
ኣፍካ ክፈት ጸሓፈለይ ሎሚ
ክሳብ መኣስ’ካ ከም ዑፉን ክትሕዘል
ውረድ’ምበር ካብ ኣረገ ማሕዘል
ኣሎኩ በል ዕጠቆ እቲ ስረ
ኣድጊ’ዃ ብውላድ ትብረ
እንተ ደቂስካ ግን ኣቢልካ ሰለም
ትንፋሳ ሰርቆም ክህቡዃ’ዮም ዓረም
ተሞኾረ የሎን ካብካ ንላዕሊ
ክራዳድን ስርናይን ፈላሊካ ኣለሊ
ይቅረታ፡
ኣብ ካባኢ ኣዛ ቢተይ ትብል ቃል ብዙሕ ተመላሊሰ፡ ንቡዘሓት ኣንበብቲ ግር ኣቢላ። ንታሪካ ዝኣክል፡-1977 ዓ.ም መብዛሕተኤን ከተማታት ኤርትራ ሰንዓፈ ሓዊሰን ነጻ ኣብ ዝወጽኣሉ ጊዜ ኣብ ስመጃና መግለጺ ሓጎሶም መንእሰያት “ ጻዕዳ ቢተይ ወሊዳ ላሕሚ፡ መናእሰይ ሓሊፍሎም ክውግዑ ሎሚ” ኢሎም ክድርፉ ከሎዉ ካብ ዝሰምዑ ህያው ምስክር ኢየ። ደርፊ ግን ዶብ የብሉን። ብዝበለጸ ከኣ ካልኦት ተዋነይቲ ዘመናዊ ናይ ሞዚቃ መሳርሒ ጌሮም ኣቃንይዮማ ኢዮም። ዋና ነገሩ ካብ እንስሳ ጻዕዳ ቢተይ ካብ ኣቝጽልቲ ከኣ ቆጽሊ ኣውልዕ ከም ምልክት ሰላም ምጥቃም ዘመናት ዘቁጸረ ኢዩ። ወርቃዊ ቢተይ ( Golden Calf) እቲ ሙሴ ንጽላት ከምጽእ ደብሪ ምስ ደየበ መተካእታ ኣምላክ ዝተጠቀምሉ ጣዖት ኢዩ።
መረጸ ኣስመላሽ
April 25, 2012