ሎምስ ፍጊዕ ኢሉና
ጸሓይ'ኳ ትበርቕ ትዓርብ: ብእዋና
'ታ ሕይወት'ውን: ንባዕላ
ትፍጠር'ሞ: ትብል ህልም ሰዓታ ሓልያ
ሰብ ስልጣን ግና: ተወጢሖም ኣብ ዝባን ህዝቢ
ሓልዮት ሓሪሙዎም: ሰኣን ምዕባይ ልቢ
ክዘምቱ: ክሓንኩ
ክገፍዑ: ሓዊ ከናኽሱ
ግዲ መሲልዎም: ዝነብሩ ንሓዋሩ
ገብሪኤል ጓንጉል
9 ታሕሳስ 2012
ጸሓይ'ኳ ትበርቕ ትዓርብ: ብእዋና
'ታ ሕይወት'ውን: ንባዕላ
ትፍጠር'ሞ: ትብል ህልም ሰዓታ ሓልያ
ሰብ ስልጣን ግና: ተወጢሖም ኣብ ዝባን ህዝቢ
ሓልዮት ሓሪሙዎም: ሰኣን ምዕባይ ልቢ
ክዘምቱ: ክሓንኩ
ክገፍዑ: ሓዊ ከናኽሱ
ግዲ መሲልዎም: ዝነብሩ ንሓዋሩ
ገብሪኤል ጓንጉል
9 ታሕሳስ 2012