መለኸት
ነበረት ጓል ሰብ: ሽማ ዝመለኸት
ንምልኪ ሰጊራ: ናብራኣ ዝኣመተት
ከም መለኸት: መዓስ ምጭዳር ኣብዩኒ
ትብል ደወል ክድወል: ግዲ ድምጸይ ውሒጡኒ
ምሉእ ሕይወተይ: ዓሪቡ ብሻላ
ወግሐ ጸብሐ ክመልኽ: ትብል ባዕላ
ምልኪ መዓስ: ብኣምልኾ ይርእዮ
ዓቕመይ ምስከኣሎ: እብል መሊኸዮ
እቲ ኣምላኽ'ውን ንባዕሉ
መላእኽቲ ክሰድድ: ምሒሉ ጥሒሉ
እንትርፊ ክድርቢ: ደቂ ጓሓሉ
ሰብ ተመሲሎም: ብሃገር ዘታልሉ
መሬት ምስተሃርመ: ስምብራተይ ዘይብሉ
ኣነስ እንታይ'የ ዝገብሮ: ምስ ተሳእነ ኹሉ
ገብሪኤል ጓንጉል
5 ጥሪ 2012