ዝዓነወ ዋልድቢት
ኳና ዋልድቢትካ.............
ተርኪሱ ምስ ሰበበ ምስ ዓሰወ
መሰረቱ ምስ ዘንበዐ ምስ ዓነወ
ክብደቱ ምስ ዘንበለ ምስ ዘዘወ
ምስ በዅቦኸ ምስ ገርነወ
እንተ ወተፍካዮ ጉዑር እምኒ
እንተ ለበጥካዮ ጭቃ እምኒ
እንተ ለመጽካዮ ኖራ ጸበርያ
እንተ ደገፍካዮ ገመል መጠልያ.........
እቲ መኣዝን ይጭነቕ ይበኪ
እቲ ጉዑር ይሕምተል ይስልኪ
እቲ ገመል ይሕልቅም ይቐጥን
እቲ ዓንዲ ይሃምም ይሰጥም
እቲ ጸፍጸፍ ይጸድፍ የንካራሩ
እቲ ዘንቀ ይጸብብ ኣንጸርጺሩ
ዋልድቢት ቤትካ ምስ ዘዘወ............
ማዕጾ ልዳት ይጭነቕ ይጠማዞ
ወንድወንዶ ይጠዋወ ይቀናዞ
መሸጎር የእዊ ረዳት ይጽውዕ
ማዕጾ ተረቢሹ ብዙሕ ይውዕውዕ
ቆፎ ሓርቢትዎ ንድኾን ይነግር
ሓቂ መሲልዎ ንጊዜ ዝሰግር
ዋልድቢትካ ምስ ዘዘወ.............
ጕዑር እምኒኻ ሽግር ኣየናግፍ
ባላ ገረብካ መንደራጕሕ ኣይድግፍ
ምጽብባቕ እምኒኻ ፈራስ ኣየዐሪ
ምኵሕሓል ቆፎኻ ኣይሕግዝ ኣይዘሪ
ዝቖንቆነ ዓንዲኻ ኣይጠልል ኣይሰብሕ
ዝጸልመተ ውሻጠኻ ብርሃን ኣይደጕሕ
ስለዚ ድማ..........
እቲ ዝኣረገ ብኽብረቱ ምጋሽ ይሕሾ
ሓቂ መሲልዎ ብጊዜ ከይዕሾ