ሕንቃቐ ኰይኑ ስልማተይ
ሃሃሃሃሃ… ኣንትን ኣህባይ !
እንታይ ተሳኢኑ ሳላ ሕጊ-ግደፍ፡ ሺሻይ መሊኡ፡ ጸጊብና ንሓድር ኣለና ፡ ሕጊግደፍ ደው ይበለልና ግዳ ዘይትብላ!
ሓንቒቕክን …………..
ሕንቃቐ ኢዩ ዘቕብጠክን ዘሎ!
ኣሃሃሃሃሃሃ ….ሕንቃቐ
እዋይ እዋይ !
ኣንቲ ዋጭል ሓብተይ !
እዚ ዓዘራ ዘረባስ፡ ብሓቂ፡ ካብዚ ጋውና መራሒና ዲዩ ወጺኡ !
እዋይ ተኾርሚኻ ሞት !
በዓል ዋጭል ! ኣይትሰንብዳ !
ንስኻትክን ደኣ ዘይትፈልጣ ኰይንክን እንበር፡ ዓርከይ ጋውና ኣብ ርእስና ሸሸ ካብዝብለልናስ ፡ መዋእል ገይሩ ኢዩ ። ሓንሳእ ሓንቂቕኩም ይበለና ፡ ነናሓንሳእ ከኣ ጠስምን መዓርን
ተሰኪመ ኣይመጻእክኹምን እብለና።
እህህህህእ !
ደሓን ኣጆኹም ! ኣይተስተማስሉ !
ጋውና ንሓጺር እዋን ኢዩ ዝነብር ። እቲ ኣብ መዓኮሩ ተጠፍጢፉ ዘሎ ስጋ ድማ ኣየናብሮን ኢዩ ። እቲ ዝጠፍጠፎ ስብሒ ለኪምዎ ክኸይድ ኢዩ ። ግዲ የለን ፡ መን ምስ ነበረ
ክነብር !
የርህዎ ኣምላኽ/Yerhewo AmlaK